https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4192
ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ማረት ናይ ህንፃ መሳርሒ (Construction materials )ብጨረታ አወዳዲሩ ንምግዛእ ትደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 3, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 11, 2010 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 11, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

1.ናይ 2010ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮቁፅሪ 613 / 200.00 / ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ::

2.ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን:ቲን ቁፅሪ :ንግዲ ምዝገባ ዝተመዝገበኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመንት ከቅርቡ አለዎም

3.ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም

4.ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ 26/6/2010 ዓ/ም ክሳብ 11/7/2010 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሸት /5:00 / ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይክእሉ::

5.ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11/7/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:00 አብ ማረትቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝርከብሉ እዩ::

6.እቲ ዝተዉሃብ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ አይፍቀድን እቲ ዝመላዕኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁብል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ

7.ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ክሕልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተማልዕዎ ዋጋስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን::

8.ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል(Specification) ምስራዝ አይካአልን::

9.እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል

10.አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::