https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4189
ክፍለ ከተማ ሓድነት ትልምን ፋይናንስን ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘገልገሉ ኮምፒተራት ፕሪንተራትን : ዘገልገሉ ወንበር ጠረጰዛን ብጨረታ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 29, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 5, 2010 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:500
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 6, 2010 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ነቲ ንብረት ብኣካል ብምምፃእ ምርኣይ ይካኣል

2 እቲ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ን 7ተ ተከታታሊ መዓልቲ ኮይኑ ካብ 28/6/2010 እስክብ 5/7 /2010 ዓም ይከዉን

3 ናይ ጨረታ መትሓዚ ዝምለስ ብር 500 ከትሕዙ ዝክእሉ

4 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ዘሸነፉ ንዘሸነፎ ንብረት ገንዘብ ናብ ትልምን ፋይናንስ ኣታዊ ምስገበረ ካብ ዘሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ክልዕል ይግደድ እንድሕር ብዝተብሃለ መዓልቲ ዘየልዒሉ ብመትሓጃ ዘትሓዞ ገንዘብ ይቅፃዕ

5 እተ ጨረታ ዕለት 5/7/2010 ዓም ሰዓት 11:30 ተዓሺጉ ዕለት 6/7/2010 ዓም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ እንተዘየሃልዎም እዉን ዝክፈት ምካኑ ንገልፅ

6 ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ንብረት ዝሐዘ ኣብ ትልምን ፋይናንስ ክፍል ከተማ ሓድነት ብምምፃእ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 27 ምዉሳድ ይከኣል

ስልኪ ቁፅሪ 0344416284