https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4040
ኮሌጅን ቴክኒክን ሞያን ሰለክለካ ን2010 ዓም ንምምሃርን ምስትምሃርን ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ናውቲ ፅሬት :ናውቲ ኮምፒተር :ፅሩብ እምኒ: ሑፃ :ብሎክት :ቐላሚጦስ :ናዉቲ ኣዉቶ ሞቲቭ :ናዉቲ ኤሌክትሪክ :መሳርሒ ህንፃን ካልኦት ናይ ትምህርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 28, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 16, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ሰለኽለኻ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 16, 2010 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መኽዝን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ዘቅርብን ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባየነት ዘለዎን

3 ተወሳኬ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ህዳር መረደእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሰለክለካ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 5 ምዉሳድ ይከኣል

5 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 መወዳደሪ ሰነድ ብዝንበብ ተፃሒፉ ስርዝ ድልዝ ሽምን ፌርማን ከዓርፎ ይግባእ ሰዓርቲ ጨረታ ዝሰዓርክምሉ ዉዕሊ ካብዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክትገብሩ ይግባእ

7 ጨረታ ዕለት 16/6/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ንግሆ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

8 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914494430 /0914191987