https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4
ማሕበር ረዲኤት ትግራይ /ማረት/ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፔር ፓርትታት ዘገልገሉ ጎማታት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 7, 2006 (ልዕሊ 12 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 18, 2006 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ:

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ /ማረት/ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፔር ፓርትታት ዘገልገሉ ጎማታት ካልኦት ዝተፈላለለዩ ንብረታት ብጨረታ መልክዕ ክትሸይጥ ስለ እትደሊ ኣብ’ቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትድልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 18 ሕዳር 2006 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ናይ ንግሆ ኣብ ዘለው ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናብ ቢሮ ቁፅሪ 304 ክተቅርቡ ንዕድም። ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 18 ሕዳር 2006 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ኣበ ቤት ፅሕፈት ማረት መቀለ ምኳኑ እናገለፅና እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ንክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ንገልፅ።


 

መተሓሳሰቢ

  • ሕድሕድ ተጫራቲ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክልል ቤት ፅሕፈት ማረት ቢሮ ቁፅሪ 304 ክወስድ ይግባእ።

  • ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ናይ ዝጫረትዎ ንብረት ዋጋ 2% ብሲፒኦ መልክዕ ክትሕዙ ከምዝግባእ ንፈልፅ።

  • ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራቲ ካብ ዝሰዓረሉ ሰዓት ጀሚሩ ንብረቱ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ጠቅሊሉ እንተዘይኣልዒሊ ዘትሐዞ ሲፒኦ ኣታዊ ኮይኑ ጨረታ ከም ዝስረዝ ነፍልጥ።


ምስ ሰላምታ

ማረት