https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3943
ትካልና ኦፕሬሽን ሬስኪዩ ኢትዩጰያ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጅራት ንዝርከቡ ቤት ትምህርቲ አገልግሎት ዝዉዕል ናይ አካል ፅሬት ሳሙና (GIV Soap) በዓል 75 ግራም ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 28, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 4, 2010 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:ሕንጣሎ ዋጅራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 4, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/

1 እዚ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት ዝተማልኡ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 6ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት እቲ ናይ ጨረታ ዶክመንም ስፔስፊኬሽን ዝሐዘ ፎርሚን ዋጋ መምልኢ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወሲድኩም ብስም ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት አታዊ ንክትገብሩ ክንገልፅ ንፈቱ

1 በቲ ሞያ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎዋ

2 ናይ 2010 ዓም ፍቃድ ዘሐደሰ

3 ናይ ከተማ ልምዓት ሓፂር ምዝገባ ዝገበረ

4 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ

5 ናይ ጨረታ ዉሕስና 2 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእል

6 ኣብ ሐደ ሰሙን ጊዜ ዉሽጢ እቲ ንብረት አታዊ ክገብር ዝክእል

7 ንመንግስቲ ዝግባእ 2 ሚእታዊ ዊዝሆልድንግ ታክስ ከምዝቁረፅ ሩዱእ ምግባር

8 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዓርቢ ዕለት ጥሪ 4/2010 ዓም ሰዓት 3:00 እንትከዉን እቲ ጨረታ ድማ ድሕሪ ሐደ ሰዓት ማለት እዉን ጥሪ 4/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት

ንዝበለፀ ሐበሬታ ክፍል ከተማ ሐድነት ቀበሌ 18 ፊት ሸባ አካዳሚ ስቁ 0344409442/0344410810