https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3893
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ንዝርከቡ ኣብያተ ዕዩ አገልግሎት ዝዉዕሉ ቀፂሎም ዝተረዘርዘሩ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 17, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 2, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ኮረም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥሪ 2, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ሎት 5 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ

ሎት 6 ዕጥቂ ስፖርት

Â

1.  በቢዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ካብ ዘለዎም መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንሎት 5ን 6  ክዕድግን ይደሊ

2.  በቢዘፈር ናይ 2010 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰ ናይ መቅረብቲ መረዳእታን ከቅርቡ አለዎም

3.  መለለዮ ቁፅሪ ከፈለቲ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

4.  ናይ ወርሒ ሕዳር 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጠ መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ

5.  መከበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ሎት 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብቼክ ወይ ብጥገንዘብ ዘትሕዝ

6.  መከበሪ ዉዕሊ ካብ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብቼክ ወይ ብጥገንዘብ ዘትሕዝ

7.  በዝሒ ዝገዝኦ ንብረት በ20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ይክእለ እዩ

8.  እቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ን60 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

9.  እቲ ጨረታ ካብ 17 ታሕሳስ 2010 ዓም ክሳብ 2 ጥሪ 2010 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ሰራሐ ሰዓት ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምዉሳድ ይከኣል

10. እቲ ጨረታ 2 ጥሪ 2010 ዓም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም ይክፈት

11. N.B: ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቀሕታት ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ምርኣይ ይከኣል

12. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

13. ንዝበለፀ ሓበሬታ 0345510258 / 0925449749/ 0914786225 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል