https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3851
ንህወሓት ቤት ፅሕፈት ዘገልግሉ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቅሑት: አረጊት ጎማ :ናይ መካይን መቀያየሪ አረጊት ሓዱሽ :ናይ ኤሌክትሮኒክስ ከም ከምፒተር ፋክስ ፕሪንተር አረጊት ቀለም ፕሪንተር ፎቶ ኮፒ አወዳዲሩ ክንሸይጥ ንደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 10, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 16, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 16, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ናይ ዝዉገዱ ንብረት ዝሸየጥ---------- ነፃ

2 ናይ 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ከተቅርቡ ትክእሉ

3 ዝተጫረተ ንብረት ምስ ሰዓር ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክወስድ ዝክእል

4 ዝርዝር ዓይነት ንብረት ዝሐዘ ሰነድ ዝወሰዱሉን ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 6/ 4/2010 ዓም ክሳብ 16/4/2010 ሰዓት 9:00 ይዕፆ ኣብ ስራሕ ግዜ ይከዉን

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 16/4/2010 ድሕሪ ሰዓት 9:30 ይክፈት

6 ተጫረቲ ባዕልቶም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ሳንዱቅ ጨረታ ይከፈት

7 ተጫረቲ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ካብ ዝተጫረትዎ ጠቅላላ ዋጋ 5% ከትሕዙ አለዎም

8 ዉዕል ካብ ዝአተዉሉ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረቱ ይወስድ

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 እቲ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝተቀመጠ ጨረታ 20% ምዉሳክ ወይ ምንካይ ዝክኣል ምካኑ