ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ቤት ፅሕፈታት ናይ 2010 በጀት ዓመት መሳርሒ ፅሕፍት አጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ
- ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 21, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
- ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 4, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
- ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
- ቦታ:ሕንጣሎ ዋጅራት
- ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
- ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 4, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
- መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
- ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
- ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
- ናይ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
- መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ
- ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
- ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
- ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
- ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
- ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
- ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
- ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት መክዘን ከረክብ አለዎ
- ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 60 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
- ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ ዝርዝር አቁሑት ብበጀት መሰረት ክዉክስን ክቅንስን ከምዝክእል ክፍለጥ አለዎ
- ሳንዱቅ ጨረታ 4 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
- ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ Â 0344370246 ወይድማ 0935335537 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።