https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3761
ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ናዉቲ ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር: ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክግልገለ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 20, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 10, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 10, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: ወረቀት ምስክረ መቅረባይነት :መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቲን /TIN/ : VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ካብ መደበኛ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ካብ 19/02/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 10/04/2010 ኣብ ዘሎ ግዘ ንነብሰከወከፍ ዓይነት ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6000 :ንፈርኒቸር 5000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 10,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝኽእል/ትክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 10/04/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 10/04/2010 ዓ:ም ሰዓት 9:15 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ብዝተዓሸገ ከቅርበ ዝክእል

6 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

7 ኣድራሻና ብሄራዊ ክልላዊ መንግሰቲ ትግራይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ መደበኛ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ እዩ::

8 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342413232 /0344411795 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትክእሉ::