https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3737
ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም ንቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ስራሕቲ ዝዉዕሉ ንናይ 2010 ዓ ∙ም በጀት ድማ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ መሳርሒ ፅሬት ፣ መሳርሒ ፅገና ህንፃ፣ ንወርክሾፐ ዘገልግሉ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 15, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 3, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 3, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ናይ ምህንድስና ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  1. ናይ 2009ን 2010ን ዓ∙ ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. 2009ን 2010ን ዓ ∙ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ምስክር ወረቀት ከምኡዉን ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2010 ዓ∙ ም ወይ ድማ ሕዳር 30 2010 ዓ ∙ም ቫት ዲክላራሽን ሪፖርት ዝገበርኩም ምስዘይምለስ ቅዳሕን ዋናን ክተቅርቡእትክእሉ
  3. ተጫረቲ ኣብ ዝቀርብ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን ።ከምኡዉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን:ኣድራሻን:ክህሉ ኣለዎ ። እቲ ጨረታ ዝርከበሉ ማእከል ቤት ሀንፀት ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 ብምቅራብ ንዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ንምዕዳግ ዘየምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኩም ክትወስዱ ንሕብር
  4. እቲ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዓ∙ ም ክሳብ ዕለተ 3 ታሕሳስ 2010 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተዓሸገ ፖሰት ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ
  5. እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት እሱ 3 ታሕሳስ 2010 ዓ ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4፡ 15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ዘይተረከበ ተጫራታይ ድማ ፖስታ ይክፈት ንዘቅርብዎ ሕቶ ግና ተቀባልነት ዘየብሉ ምካኑ ክፈልጥ ኣለዎ
  6. ንፅሕፈተ መሳርሒ መክበሪ ጨረታ 3,000 ቅርሺ ንናይ ህንፃ መሳርሕን ፅገናን ወርክሾፕንÂ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ክክእል ኣለዎ
  7. እቲ ትካል 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰል አለዎ
  8. እቲ ጨረታ ዝሰዓር ተወዳዳራይ ብመምርሒ መሰረት መክበሪ ዉዕል ብጥረገንዘብ 10 ሚኢታዊ ካብ ዝሰዓሮ ንብረት ትሕጃ ከትሕዝ ዝክእል
  9. ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ወዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንፅሕፈት መሳርሒ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንመሳርሒ ህንፃን ፅገናን ወርክሾፕን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልትታት ብናይ ባዕልቶም መጋዕዝያን መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ህንፀት ከተማ ኣክሱም ንብረት ክፈሊ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ
  10. ናይ ፕሪንተር ፎቶ ኮፒ ቀለምን ካልኦት ዓይነት ንበረት ዉሕስና ዘድልዩም ንበረታትን ንሐደ ዓመትን ልዕሊኡን ጋራንቲ ክኣስር ዝክእልን በዓል ፈቲኑ ከረክብ ዝክእል ክከዉን አለዎ
  11. ማእከል ቤት ህንፀት ኣክሱም እቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347754682 ምድዋል ይከኣል እዩ