https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3648
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ን2010 ዓ/ም በጀት ዓመት ንዘካይዶም ናይ መንገዲ ህንፀትን ፅገናን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ስሚንቶ ብግልፂ ጨረታ ብምዉድዳር ካብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ከፅዕን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 20, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 4, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 4, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

ብመሰረት እዚ ተጫረቲ ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሐደሰ ንግደ ፍቃድ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅርን ካሊእ አድላይ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

  1. ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ አብ ስራሕ ሰዓት ብር 20 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ክፍሊ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ምዉሳድ ይክእሉ
  2. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ምስ ሰዓረ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ብኣካል ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስረ አለዎ
  3. እቲ ጨረታ 4 ሕዳር 2010 ዓ:ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት
  4. እቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ተዝርከቡ ይምረፅ
  5. እቲ ኢንተርፕራይዝ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬተ 0344416727