https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3556
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲጉዶም ኣብ 2009 ዓም በቲ ናይቲ ኮሌጅ በጀት ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሪክ :ኮንስተራክሽን: GM: አቁሑት ቢሮ: አዉቶ: IT: መሳርሒ ፅሕፈት :አቁሑት ፅሬት: መፅሓፍትን: ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገናን ኣጫሪቱ ክገዝእ ከፀግንን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 29, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 13, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 13, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2009 ዓም ወይድማ 2010 ዓም በቲ ዘፈር ክተቅረቡ እትክሉ

2 ናይ 2009 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩም

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም

5 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2009 ዓም ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም : ፊርማ : ማሕተም Â ብምግባር Â ከቅርብ ዝክእል

7 መክበሪ ጨረታ ንኤለክትሪክ ኮንስትራክሽን ጂኤም አቁሑት ቢሮ አዉቶ አይቲ መሳርሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ አቁሑት ፅሬት መፅሓፍትን ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገናን ድማ 2000 ቅርሺ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረገንዘብ ከተሕዝ ዝክእል

8 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓም ወይድማ መስከረም 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ከትቅርቡ ትክእሉ

9 ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

10 ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20 ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን

11 ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ

12 Â ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቁፀሪ 15 ኬዝ ቲም ዕደጋ ሰነድ ጨረታ ንኤለክትሪክ ኮንስትራክሽን ጂኤም አቁሑት ቢሮ አዉቶ አይቲ መሳርሒ ፅሕፈት 50 ቅርሺ ንካልኦታት ድማ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

ብተወሳኪ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን

13 ሰዓራይ ኣካል ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን Â ዓዲ ጉዶም ንብረት ክፍሊ ከረክብ አለዎ እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝፍለጠ 40 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ

14 ሳንዱቅ ጨረታ 13 ጥቅምቲ 2010 ዓም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዛይ ምርከቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን

እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370592 /0914024310 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።