https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/3530
ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ ሽራሮ አቁሑት ኤለክትሮኒክስ:ትቦታት ማይን መገጣጠምን :መሳርሒ ህንፃ :መለዋወጢ አቁሑት መኪና: ናይ ፅሕፈት መሳርሒ አቁሑን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 23, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 6, 2010 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 6, 2010 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

 ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

  1. 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ዝተሓደሰ ናይ 2010 ፍቃድ ንግዲ ናይ ፍቃድ ንግዲÂ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ፣ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእልን ካልኦት ኣድለይቲ መረዳእታታት እትብልዎም ዘይምለስ ቅዳሕ ብምግባር ክተታሕዙ እትክእሉ
  2. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ ሽራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 50 ቅርሺ ከፊልኩም ክትወስዱ ትክእሉ
  3. ተጫረቲ ጨረታ መክበሪ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ብዝረጋገፀ ቼክ ወይንድማ ሲፒኦ 3000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም
  4. እቲ ጨረታ ካብ 22 መስከረም 2010 ዓ ም ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2010 ዓም ኣብ አየር ይፀንሕ
  5. እቲ ጨረታ 6 ጥቅምቲ 2010 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ ሽራሮ ይክፈት
  6. ተጫራቲ ስዒሩ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ክከዉን ኣለዎ
  7. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500064 ከምኡዉን0914 278106 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል