https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/340
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 21, 2007 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 3, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት / ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/

ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልከታ ግልፂ ጨረታ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረሩ ከምትኽእሉ ነፍልጥ::

ሎት 1 ናይ ምርምር ደርሆ እርባታ መሳርሒ ኣቑሑት

ሎት 2 ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ ኣቑሑት

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ንሎት 1 ብር 5.000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ንሎት 2 2,000 /ክልተ ሽሕ /ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ታሐሳስ 2007 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ማለት አዉን ቴክኒካልን ፋይናነሻልን ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉን ን ሎት 2 ዋንኡ /ኦርጀናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት : CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጀናልን ዶክመንተ ክተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣበ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 20 / ዕስራ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣበ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 18 /05 /2007 ዓ/ም እስካብ 03 /06 / 2007 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 03/06/2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 03/ 06 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዝተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኢዩ::