https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/282
ማእኸል ሐወልቲ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቀወምቲ ንብረት /Furniture / ኮምፒተራትን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 22, 2007 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 5, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት / ፈርኒቸር/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ


 

ማእኸል ሐወልቲ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቀወምቲ ንብረት /Furniture / ኮምፒተራትን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ስለ ዝደሊ ተጫረቲ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት ኣማሊኦም ንክወዳደሩ ይዕድም::

1 ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፈቃድ ዘሐደሱ ቫት ሬጅስተርድ ዝኮኑ: ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ : ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡ መረዳእታ ዘቅርቡ ናይ ግብሪ መኽፈሊ ቁፅሪ /TIN/ ዘለዎም ወይ ድማ ምምዝገቦም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::

3 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ስፐስፌኬሽን መሰረት ኦርጀናል 1ይ ደረጃ ኣቁሑት ከቅረቡ ዝኽእሉ

4 ዝሰዓርዎ ኣቁሑት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ማሐሰት ከቕርቡ ዝኽእሉ

5 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344406392 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

6 ተጫረቲ ዝወሰድዎ ሰነድ ብጥንቃቐ ብዝተአሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ብክልተ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብረ 50 .00 /ሓምሳ ብር /ብምኽፋል ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማአታት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 51 ምዉሳድ ይኽእሉ::

8 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 20/ 4 /2007 ክሳብ 5 /5 / 2007 ዓ/ም ኣብ አየር ይፀንሕ::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 5/5 /2007 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዘይተረኸብሉን ቢሮ ቁፅሪ 51 ይኽፈት::

10 እቲ ማእኸል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

0914169568 ዕዳጋ ክፍሊ