https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/255
ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ፖሊስ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ኣቁሑት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ናይ ፅሬት ኣቁሑት ሕትመትን ተመሳሳልነት ዝኾኑ ኣልባሳትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 10, 2007 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 29, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት / ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት/ ስራሕቲ ሕትመት/ ናይ ቢሮ አቁሑት/

ምልከታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ፖሊስ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ኣቁሑት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ናይ ፅሬት ኣቁሑት ሕትመትን ተመሳሳልነት ዝኾኑ ኣልባሳትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:

ስለዚ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝኾንኵም ንክተወዳደሩ ንዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ንጥብታት

  1. በቲ ዘርፊ ንግዲ ናይ 2007 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ነበርን ከቅርብ ዝኽእል ::

  2. ሓዱሽ ናይ 2007 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ::

  3. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾኑን ከምኡዉን ንዝማልኡ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ከሳትፍ ዝክእል::

  4. ካብ ጥቅምቲ ወርሒ ኣትሒዙ ቫት ዲክላር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል::

  5. መክበሪ ጨረታ ንኤሌክትሮነክስ ኣቁሑት 1000 (ሓደ ሽሕ ) ብር ንፅሬት ኣቁሑት 1000 (ሓደ ሽሕ ) ብር ንፅሕፈት መሳርሒ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

  6. ንሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር )ብምኽፋል ካብ ዕለት 08 / 04 / 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት አብ ዞባ ደቡብ ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ማይጨዉ 4ይ ፎቅ ቢሮ ቁፅሪ 8ተ እናመፃእኩም ምዉሳድ ይከአል::

  7. እቲ ጨረታ ሳንዱቅ 28/ 04 /2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽብሉ አብ ከ/ማይጨዉ ዞባ ፖሊስ 4ይ ፎቅ ቢሮ ቑፅሪ 8 ይኽፈት::

  8. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

  9. እቲ ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምዉሳክ ምቕናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

  10. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ መዓልቲ ይኸዉን::

  11. ትራንስፖርት ብዓሉ ናብ ከ /ማይጨዉ ዞባ ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ከቕርብ ዝኽእል :

  12. ንተወሳኺ ሓበሬታ:

ብስልኪ ቁፅሪ 0347770505

ብሞባይል ቁፅሪ 0914785535

0914785675

0914769023 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ::