https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2290
ኮሌጅ ሳይንስን ጥዕና ዶር ተወልደ ለገሰ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑታት : ፅሕፈት መሳርሒን : ናይ ፅሬት ኣቀሑት ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ክፀግንን ስለዝደሊ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 15, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 4, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 4, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  1. ምስ ዘቅርቦ ኣቕሓ ዝተተሓዘን (ብተመሳሳሊ) ናይ 2009ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  2. አብ ተወሳኪ እሴት ታክሲ /VAT/ ተመዝጋቢ ምኻኑን ዲክለሬሽን ዝኸፈለሉ መረዳእታ ናይ 2009 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል
  3. ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  4. አብያተ ዕዩ መንግስቲ ኣብዝፍፅምዎም ዕዳጋታት ንምክፋል አብ ዝርዝር መቕረብትን ዉሃበቲ ግልጋሎት ዝተመዝገበ ምኻኑ መረዳእታ ኣብ ሕድሕድ ስፔስፊኬሽን ማሕተም ገይሩ ከቅርብ ዝክእል
  5. ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒከስ Â : ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብ ስ.ፒ.ኦ ከቅርብ ዝክእል
  6. ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ኣቕሓ ወጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ኣትሒዙ ኣብ 5 መዓለቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ፅሕፈት መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስ ኣብ 10 ማዓለቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚ ኣቀሑት አታዊ ክገብር ዝክእል ካብ 14/03/09 ዓ/ም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 30 (ሳላሳ ብር) ከፊሉ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ብምዉሳድ ዝወዳደረሉ ዋጋ መሊኡ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኦርጅናል ብኮፕን (ፖስታ) ክሳብ 4/03/09 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ይክእል
  7. ጨረታ ዕለት 4/04/09 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4/03/09 ዓ/ም 4:30 ይክፈት
  8. ጨረታ እንትክፈት ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ እንትርከብ ይምረፅ
  9. ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ሓበሬታ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408755 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል

አድራሻ አብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ቀበሌ 07 ኢፍ ካፊ ዕፅፍ ኢልካ