https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2231
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንአብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ኣቁሑት መኪናን ጎማ መኪናን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 3, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 19, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 19, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት ክተማልኡ አለኩም

1 ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቲን ነምበር ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት መስክር ዘለኩም

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን ናይ እዋኑ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ካብ 2 ሕዳር 2009 ዓም ክሳብ 19 ሕዳር 2009 ዓም ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ክፍሊ ግልጋሎት ዕዳጋ እናመፀፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺግኩም ክሳብ 19 ሕዳር ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ 19 ሕዳር ዓም ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡45 ድሕሪ ቀትሪ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምኡዉን ዝተማለአ ሰነድ እነተቅሪቡ ይክፈት

7 መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብ ሲፒኦ ጥራሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ መምርሒ ጨረታ አካል ዉዕል ምካኑ ፈሊጡ ክቅርበ አለዎ

መተሓሳሰቢ መክፈቲ ጨረታ ኣብ መቀለ ዞባ ደቡብ ምብራቅሓዱሽ ህንፃ ይከዉን

ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0345540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል