https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2230
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2009 ዓ/ም አብታ ከተማ ንዝርከቡ ሳዕርታትን ተክልታትን ማይ ንምስታይ ዘክእል 2 ቦጥ መካይን ክካረይ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 3, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 19, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 19, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ግብሪ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገበ

2 ወርሓዊ ተወሳኬ እሴት ታክስን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት 2008 ዓ/ም ዘመላእኩም ሕጋዊያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 3/03/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 19/03/2009 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ትክእሉ ኢኩም

3 እቲ ጨረታ 19/03/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450602/ 0282 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል