https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2221
ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ንአብያተ ፅሕፈት መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ : ጎማ ባትርን : ፈርኒቸር : ክራይ ዶዘር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 1, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 16, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 16, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ማሽነሪ ክራይ/

ነዞም ዝስዕቡ ረቀሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2008/9 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረትን ምም/ር ካብ 30/02/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 30.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ንፅሕፈት መሰርሒ 3,000 ብር : ንጎማን ባትርን 10,000 ብር: ንፈርኒቸር Â 4,000 : ንክራይ ዶዘር 10,000 ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 16/03/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 16/03 /2009 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 ኣድራሻና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 34 Â

8 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 408757 /0344408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::