https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2179
ቢሮ ጉዳይ ደቂ አንስትዩ ክልል ትግራይ ዝጥቀመሎም ጥዕና ሎት 1 : ፅሕፈት መሳርሒ ደቀቅቲ ናዉትን : ሎት 2 ናይ መኪና ስፔር ፓርት ክዕድግ ስለዝደሊ ነዞም ዝስዕቡ ዘማልኡ ንክወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት ጥቅምቲ 20, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 29, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 29, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 አብቲ ጨረታ ክሳተፉ ዝደሊዩ ምልከታ ካበ ዝወፀሉ ዕለት 09/2/2008 ዓ/ም ክሳብ 29/02/2009 ዓ/ም አብ ዘለዉ ናየ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 50 ብር ብምግዛእ ካብ ቢሮና ክትወስዱ ትክእሉ

2 ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN መረዳእታ) ዘቕርብ VAT ተመዝገባይ ዝኾነ ናይ ነሓሰ ወርሒ 2008 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ

3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ 5000 ብር ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብቢሮ አብ ዝተዳለወ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ብምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ አብቲ ዝተገለፀ ጊዜ አብ ቢሮ ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቅ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይኽእሉ

5 ተጫረቲ ንዝሳሮም ንብረታት አበ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስሩ ይኽእሉ

6 እቲ ጨረታ ሰነ 29/02/2009 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ 29/02/2009 ዓም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት

7 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10% መኽበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

8 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕለዉ እዩ

9 ኣብቲ ትመለእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

10 ቢሮና ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዝምረፀሉ እዋን ኣቅሓ በዝሒ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሰወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሰብ 20% ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሰክ መሰል ዘለዎ ምካኑ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ቑፅሪ ስልኪ 0344410504 ምጥቃም ይከኣል