https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2126
ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ አብ ዓዲ ሽምዱሑን ዝርከብ ኒኮላስ ቤት ትምህርቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግብኦም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 10, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 15, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 15, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 በዚ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ አለዎ ኮይኑ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ኸፊሎም ንግዲÂ Â ፍቓዶም ዝተሐደሰ::

2 ቲን ቁፅሪ ዘለዎም ቫት /TOT/ ተመዝገብቲ ምኮንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ዝክእሉን::

3 ናይ ጨረታ መከበሪ ዋስተና ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብ CPO ብሽም ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ከትሕዝ ዝክእል::

4 ነዚ ሰነድ አብ ሕጊ ከም ዉዕሊ ኮይኑ ዘገልግል ምኻኑ ከፍልጥ ይግባእ::

5 ዝሰዓረ ትካል ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተረጋገፀ አብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእል

7 ካብዚ ናይ ቤት ፅሕፈትና ዋጋ መቅረቢ ወፃኢዝቐረበ ተቐባልነት ስለዘይብሉ አብዚÂ

ዝተወሃበኩም ዋጋ መቅረቢ ጥራሕ ይምላእ

7 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ኣብ ዉሽጢ 7ተ መዓልቲ ከቕርብ ዝክእል

8 እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ናይ ጨረታ ሰነድ 50 ብር /ሓምሳ ብር / ብክፋል ክትወስዱÂ ትኽእሉ

9 እዚ ጨረታ ግልፂ ዘይኮነሉ ዝኾነ ሕቶ ዘለዎ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቕርብ አለዎ

10 Â እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 9/2/2009 ዓ/ም ክሳብ 15/ 02 /2009 ዓ/ም ጨረታ ምዕዳግ ዝከኣል እንትከዉን እዚ ጨረታ 15/ 02 /2009 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ Â ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትÂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይÂ 6 ይ ደብሪ ምም /ጠ /ግልጋሎት ቢሮ ቀፅሪ 2 ይኽፈት::

12 ማሕበርና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእÂ ይኹንÂ ብኽፋልÂ ናይÂ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወÂ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ 0344 41 36 46

         ሞባይል 0914 - 765389

ኣድራሻ ኣብ ጥቃ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ጉዱኣትÂ ኩናት ትግራይÂ 6ይ ደብሪÂ ምምሕዳርን ግልጋሎትን ቢሮ እዩ ::