https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2023
ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ንስተሽነሪ ን ኮምፒተር ኣክሰሰሪን መለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ሸልፍን ወንበር ቀዋሚ ንብረት ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮኒክስ ናይ መኪና ግልጋሎት ዝዉዕል ንብረታት ብ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 14, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 26, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 26, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ፅገና ሞተርሳይክል/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2009 ዓ/ም ፍቓድ ንግዲ ዘሐደስኩም::

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ሓምለ ዲክለር ዝገበርኩም::

3 ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን::

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳአታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 12/01/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/01/2009 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲ ፕሮመሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕረሻ ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 1ይደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል::

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ / ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ / CPO/ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ዝኽእሉ:

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 26/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቐፍን:

8 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 50 30 ምሕታት ይኸአል እዩ::