https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2004
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ አብ 2009 በጀት ዘመን ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት: አቁሑት ፅሬት :መለዋወጢ አቁሑ መኪና መፀባበቅን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 11, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 27, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 27, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም::

1 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ብአዋኑ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ ናይ መቕረባይ ሰርተፍኬትን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(TIN) ዋናን ኮፒን ከቅርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም::

2 ተጫረቲ ብቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅረብ::

3 ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ -17 ብምዉሳድ ንተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድዋጋ ብሸምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታዉ ክተወዳደሩ ትኽእሉ::

4 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት ብር 3000.00 ንመለዋወጢ አቁሑ መኪናን መፀባበቅን 5000 ቅርሺ ንመሳረሒ ፅሬት 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ካብ ዝተፈለጠ ባነኪ ብዘወሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል::

5 ምስ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ድሐሪ ምፍራም ዝተትሓዝ መክበሪ ጨረታ ንዝተሰዓሩ ተጫረቲ ወድያዉኑ ይምለስ::

6 ዕዳጋ ፈፃሚ አካል ዝሐሸ መነገዲ እነተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን በሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪÂ 17 ብር 50.00 ብምኽፋል ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 11/01/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፈቲ ይከዉን::

8 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ምስተዓሸገ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተከብሉ ዕለት 27 /01/ 2009 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 አብ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ -17 ይኽፈት::

9 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ቋንቋÂ ብትግርኛ መኻኑ::

10 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 445 1887 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::

Â