https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19456
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዚ ዝስዕብ ናይ ብረታ ብረት ስራሕቲ ብፕሮፎርማ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይድሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 1, 2018 (5 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 3, 2018 10:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 4, 2018 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

ምልክታ ፕሮፎርማ
ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ/ም

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዚ ዝስዕብ ናይ ብረታ ብረት ስራሕቲ ብፕሮፎርማ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይድሊ።

ቁዝርዝር ዓይነት ንብረትመፍለዪ /Part Number/መለክዒ/Unit/በዝሒ /Qty/ነፀላ ዋጋመብርሂ
1ዓንድታት ብላሜራ ኣቅሪብካ ምግጣምዝርዝር ስራሕቲ
1. ዓቐን ላሜራ ቅድሚ ምሽብሻብ ምትዕፅፃፍ1 ሚ.ሜ2 ሜ1.25 ሚ.ሜ
2. ብላሜራ ዝሽፈኑ ዓንዲታት በዝሒ 9
3. ብዲዛይን መሰረት ንምሽፋን ዝስርሑ ስራሕቲ
+ ላሜራ ብማሽን ምቁራፅ ምዕፃፍ ምዕራብን ምልሓምን
4 ንምትሕሓዝ ዘድሊ ኣንግል ባር ሓፂናት ምጥቃም
♦ ቐለም ምልካይ ፀሊም ናይ መኪና ቀለም ብኮምፕረሰር ምቕባእ
ቑፅሪ25


ክማልኡ ዝግባኦም ረቛሕታት

1. ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሓደስኩም፤

2. ዝተሓደሰ መቕረባይነት ከቕርብ ዝክእል፤

3. ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቑፅሪ ቲን-ቁፅሪ ምምዝጋቡ መረዳእታ ከቕርብ ዝኸእል ይዕድም፤

4. እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት 01/07/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 10፡30 ዝፀንሕ ኾይኑ ዕለት 04/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 03፡00 ይኽፈት::

5. ዶክሜንት ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ ስቶር- C ዕደጋ እንዳመፃኩም ምሃብ ትኸእሉ::

6. ዘሸነፈ ተወዳዳራይ ኦርደር ካብ ዝተወሃበሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ ሓፂር ማዓልቲ ናብ ቢሮ ኣቅሪቦም ብዲዛይን መሰረት ክገጥሙ ዝክእል::

7. ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ መረዳእታ ተታሓሒዙ ክቕርቡ ኣለዎ::

8. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ጨረታ ምልኸታ ከም ዉዕሊ የገልግል::

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ