https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19352
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ካብ ጀስትስ ፎር ኦል ብዝተረከበ በጀት ፅሕፈት መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስን ብሜሌ ዕደጋ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 19, 2018 (11 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 23, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ የካቲት 23, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ዕለት ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ / /2018

ዕለት:- 19/06/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ካብ ጀስትስ ፎር ኦል ብዝተረከበ በጀት ፅሕፈት መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስን ብሜሌ ዕደጋ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 19/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 23/06/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 24/06/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ስዓት አብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ዝኸፈት ኾይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይክልከልን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 /ሰለስተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምዕራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡