
ቑፅሪ (RefNo) Z/ት/ፋ/ከ/መ-ሓጉ-
ዕለት (Date) 6 /2018 ዓ/ም
ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤትፅሕፈት ልምዓት ድኣንትን ማኒፋክቸሪንግኢንዳስትሪን ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ እንስሳት መድሓኒትን ናውቲ አቀሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝታሓደ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት፣ቲን ቁፅሪ ከተሓሕዝ ዝኽእል ።
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 18/6/2018 ዓ/ም 3:30ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 23/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ይኽፈት ።
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።
5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን፡
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ፡፡
7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ።
8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ 382 ምሕታት ይከኣል እዩ፡፡
9. እዚ ብቤት ፅሕፈትና ዝግበር ፕሮፎርማ ውድድሩ ብተናፀል/ንኒሕድሕድ ኣቁሑት ዝናኣሰ ዋጋ ብዘቅረበ ስዓራይ ይኸውን ፡ ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
10. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
11. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።