https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19141
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ንብረት ክገዝእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 28, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥሪ 30, 2018 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ጥሪ 30, 2018 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ቑፅሪ፡ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/53/2018 

ዕለት፡- 28/05/2018 ዓ/ም 

ናይ ኣዘር ፕሮፎርማ ን2ይ ጊዜ ዕደጋ ፃውዒት 

ኣዘር
ተ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይ ቑፅሪመዕቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
01ሳምፕልናይ ኢድ ላምባዲናቑፅሪ11

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 30/05/2018 ሰዓት 5፡00 ቅ/ሰዓት

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5 ' መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን (መቕረባይ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ፡፡

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ገዛእን ሸያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል፡፡

8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

9. ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንከቕርብ ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፀሓፈሉ ፡፡

10. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ፅ ኢ/ስ/መ/ት ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

11. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤