
ግልፂ ጨረታ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ሳኒተሪን ካልኦት ብዝርዝር ዘለው ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡
2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን II ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኸእሉ፡፡
3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኽውን ኣለዎ፡፡
4. ናይ ወርሒ ሕዳር ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
5. ጨረታ መኽበሪ ብ C.P.O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡
6. ዝተኣዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ 15ተ መዓልቲ ብውዕሊ መሰረት የረክቡ፡፡
7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 28/05/2018 ክሳብ 12/06/2018 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡30 ተዓሽጉ ስዓት 5፡00 ይኸፈት ፡፡
8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::