
ዕለት፦14/05/2018
ፋይል ቑፅሪ ሀ/ሪ/ስ/0053
ምልክታ ጨረታ
ሀሴት ሪልስቴት ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ቀበሌ 17 ንዝሃንፆ ናይ መንበርን ንግድን ሓሸዋ (ሑፃ) ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ እተማሉኡ ተጫረቲ ንክትጫረቱ ይዕድም፡፡
➢ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቁሓታት ከማሉኡ ኣለዎም።
1. ናይ ሑፃ (ሓሸዋ) መቕረባይነት ዝተሓደሰ ፍቓድ ዘለዎ፡፡
2. ፅሬት ሑፃ (ሓሸዋ) ብላብራቶሪ ተፈቲኑ እቲ ዝግባእ ረቑሓታት ዘማለአ ሑፃ ከቕርብ ዝኽእል።
3. መጠን ሑፃ (ሓሸዋ) እቲ ድርጅት ዝደልዮ ዝኣክል ከቕርብ ዝኽእል።
4. ናብ ሳይት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቕርብ ዝኽእል።
5. ናይ ጨረታ ውሕስና ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ (unconditional guarantee) cpo ብር 50,000.00 (ሓምሳ ሸሕ) ከትሕዝ ዝክእል።
6. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት14/05/2018 ጀሚሩ ክሳብ 20/05/2018 ኣብ ከተማ መቀለ ክ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪንካሊ ካፌ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 19 | ኣድላዩ መረዳእታ ክወስዱ ይክእሉ እዮም።ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን።
7. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብሜትር ኪቡን(m) ዝተሓደሰ ፍቃድ ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብቲ ናይ ድርጅት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ 19 ክሳብ ዕለት 14/05/2018 ናይ ንጉሆ ሰዓት 04፡ 00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም።
8. እቲ ጨረታ ዕለት፣20/05/2018ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 04፡00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ሰዓት ተዓፂው በቲ ዕለት ልክዕ 04፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ድማ ኣብቲ ናይ ድርጅት ቢሮ ይክፈት። ኣብ ትካልና ብኣካል ናይ ዘይተረከበ ተጫራታይ እውን ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
9. ሀሴት ሪልስቴት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪን ቫሊ ካፌ ዝርከብ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 19 ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0974999990/0961090830 ብምድዋል ምርካብ ይካኣል እዩ።
ሀሴት ሪል እስቴት