https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19007
ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮ ዘገልገለ ንብረታት ብዘለውሉ ኩነታት ንደቐቕትን ኣናእሽተይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 13, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 22, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 22, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ክልላዊ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮ ዘገልገለ ንብረታት ብዘለውሉ ኩነታት ንደቐቕትን ኣናእሽተይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡

ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ /ብንግዲ ዘርፍኹም መሰረት/

1. ኣብ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ዝተወደብኩም ብዘገልገሉ ዝኣረጉ ንብረት ምዕዳግን ምሻጥን ዝብል ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ቁፅሪ /in/ ዘለኩም፣ ናይ ደረጃኹም ዝገልፅ ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ብምግባር ምስተቕርብዎ ናይ ዋጋ ዝርዝር ፖስታ ብምዕሻግ ካብ ዕለት 12/05/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ኣብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 009 ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ ንገልፅ።

2. ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 22/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ተዓሽጉ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ብዘለውሉ ኣብ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክፍሊ ዕደጋ ቑፅሪ 009 ይኸፈት።

3. ተጫራታይ መኸበሪ ጨረታ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ካብ ዝተፈቐደሎም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ /ሰርቲፋይድ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቕርብ ከትሕዝ ዝክእል።

4. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 /ሓምሳ/ ብር ብምኽፋል ካብ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ወይዘር ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 009 ካብ ዕለት 12/05/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ምግዛእ ይከኣል፡፡

5. ንብረት ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ዕለት 12/05/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/05/2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ዘሎ ብኣካል መፂእኹም ምርኣይ ትኽእሉ። 

6. ተቕርብዎ ዝርዝር ዋጋ ካብ ስርዝ ድልዝ ዝፀረየ ክኾን ኣለዎ።

7. ተጨረቲ ኣብ ዝተወዳደርሉ ዝርዝር ንብረት ሰዓርቲ ምዃኖም ምስተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሳዓርዎ ንብረት ከልዕሉ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ንዘይፈፀመ ዘትሓዞ ጨረታ መኽበሪ ሙሉእ ይቕፃዕ።

8. ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 መዓልትታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን።

9. ተጫረቲ ድሕሪ ሰዓርቲ ምንፃር ቅሬታ ንዘለኩም ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ጥርዓንኩም ናብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክፍሊ ቁፅሪ 09 ብፅሑፍ ክተቕርቡ ትኽእሉ።

10. ኣብዚ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኮኑ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344 40 24 31 ምሕታይ ይካኣል።

11. ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ዘውፅኦ ግልፂ ጨረታ ብኽፋል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ