https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18984
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንቤት ፅሕፈቱ አገልግሎት ዝዉዕል ናይ ሎደር መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብመደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 15, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 21, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:2000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 21, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም በቲ ዘፍር ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥቅመሉ መረዳእታ ማለት ዲክለሪሽን ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 6/5/2018 ክሳብ 20/5/2018 ዓም ሰዓት 11:00 ዘይምለስ 2000 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራትን ከይዲ ስራሕ ትልምን በጃትን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

7 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምካፈቱ መከበሪ ጨረታ ናይ ሎደር መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ስም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

8 ሰንዱቅ ጨረታ 21/5/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት እነተዘይተረኪቦም ግን ንምክፋት ዝዓግቶ ነገር የለን

9 ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

10 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመለአ ኣብ ግምት ይኣትዉ

11 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዛጋጃ ዓዲግራት ካልኣይ ደበሪ ቢሮ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል

12 ኣብ ነብሰወከፍ እቲ ሰነድ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክግበረሉ ይግባእ

13 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ዝክእል

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881