https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18960
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ አቅሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 6, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 8, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 8, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ አቅሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ክንድ እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሕዳር ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ውፅኢት ጨረታ ዝገልፅ መአዘዚ ዕደጋ (Purchase Order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 8/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡