https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18931
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ሕትመታት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ከሐትም ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 4, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 8, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 8, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ሕትመታት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ከሐትም ይደሊ። ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሊ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ሰሪሑ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 8/5/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት

ማሕበር ልምዓት ትግራይ