https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18831
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 16, 2018 ( ቅድሚ 2 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 21, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 21, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቁፅሪ ዳዕን ምም/ር 06 /2018

ዕለት:- 16/04/2018 ዓ/ም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 16/04/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/04/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዕለት 21/04/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሸጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ ዕን ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይኮዉን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሽናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረለ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡