https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18824
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ናይ ግሪን ሃዉስ ኣቅሑት ዕድጊትን ፅገናን : ኤንኩቬተርን : ሃቸርን : ናይ እንስሳት ቀለብ መጥሐንን መቀነባበሪ ማሽንን ከምእዉን ናዉቲ ቤት ዕዩን : ኣቅሑት መሳርሒ ንህብን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 18, 2018 ( ቅድሚ 2 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 27, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 27, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ሕርሻ መሺነሪ/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዘይሃሰሰ ናይ ዘበኑ ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 ናይ መቅረባይ ሰርተፊኬት ዘለዎ : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ኮፒን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምክፋሎም ዲክላራሱዩን ማለት እዉን ፀብፃብ ሒሳብ ናይ ወርሒ 2018 ዓም ምስክር ወረቀት ኮፒን ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ስፒኦ ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ዋና ወይ ድማ ኦርጅናል ደኩመንት ክተሓሓዝ አለዎ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና 30000 ብር ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕ ብኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቅርብ እንትከዉን ኣብቲ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 9 ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

8 ከምእዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርምኦም ኣድራሾምን ከግለፅ አለዎም

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ 17/4/ 2018 ዓም ክሳብ 27/4/2018 ዓም ኮይኑ 27/4/ 2018 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ይክፈት ይኩን ዳኣምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

8 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ መብርሂ ወይድማ ናይ ምምሕያሽ ሕቶ ተሊዎም ቅድም ዝተወሰነ ግዘ ገደብ ምእካሉ ብቁፅሪ ስልኪ 0344402801 ደዊሎም ክሓቱ ይክእሉ

9 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ