https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18818
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅራ ወንበርታ ን2018 ዓም በጀት ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት እታ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕል ካብ መደበኛ በጀት መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ማለት እዉን ስፔር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 16, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 25, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ታሕሳስ 25, 2018 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድን : መቅረባይነትን ምስክር ወረቀት ቅዳሕ መረዳእታን ክታሓሕዙ አለዎም

2 ተጫረቲ ናይ ግብሪ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ቅዳሕ ከተሓሓዙ ይግባእ

3 ተጫረቲ እሴት ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ወርሒመስከረም ናይ 2018 ዓም ዲክለር ዝገብርሉ መረዳእታ ዘቅርብ ክክዉን አለዎ

4 ጨረታ ሳንድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅራ ወንበርታ ከተማ ኣጎላዕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ዘይምለሰ 300 ቅርሺ ጥራይ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 10/4/2018 ዓም ክሳብ 25/4/2018 ዓም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክወስዱ ይክእሉ

5 እቲ ጨረታ 25/4/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ረፋድ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 25/4/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ረፈድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣጎላዕ ኣደራሽ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክክፈት አዩ

6 ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽምን ፊርማን ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክህልዎ አለዎ

7 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብቲ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካልኢ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት ይብሉን

8 ብተወሳኪ ድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ናዉቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ብጥንቃቄ ትክክለኛን ነፀላ ዋጋ ክምላእ አለዎ

9 ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ምምሕዳር ወረዳ ፅራ ወንበርታ ከተማ ኣጎላዕ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914279411