https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18798
ሓርበል ንግድን ኢንዱስትሪን ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ስፓ ናይ ተፈጥሮ ፍልፍል ማይ መምረትን መከፋፈልን ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ንሓሚዳይ ንዝርከብ ቢሮን ስቶርን ዝሕልዉ ዋርድያታት ምስ ዘቕርብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ትካል ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 11, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 17, 2018 06:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 17, 2018 08:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ሴኩሪቲይ ኢንፍራስትራክቸር/

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ሓርበል ንግድን ኢንዱስትሪን ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ስፓ ናይ ተፈጥሮ ፍልፍል ማይ መምረትን መከፋፈልን ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ንሓሚዳይ ኣብ ዝወስድ መንገዲ (ደስታ ኣረቂ ፋብሪካ ዝነበረ) ንዝርከብ ቢሮን ስቶርን ዝሕልዉ ዋርድያታት ምስ ዘቕርብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ትካል ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ትካላት እቲ ዝሕሎ ቦታ ብኣካል ብምርኣይ ዘድልይዎ በዝሒ ሰራሕተኛን ደመወዞምን ብምቕራብ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቛሒታት

➢ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል ፤

'➢ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ (TIN NO) ከቕርብ ዝኽእል፤

➢ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬት ዘለዎን ናይ ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ቫት ንመንግስቲ ኣታዊ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእልን፤

➢ ኣብ መንግስታዊ ትካላት /ተመሳሰልቲ ትካላት/ዝሰርሐን መረዳእታ ዘተሓሓዘን እንተኾነ ቅድሚያ ይወሃቦ፤

➢ እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 11/04/2018 ዓ/ም-17/04/2018 ዓ/ም ስዓት 6፡00 ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ድማ ዕለት 17/04/2018 ዓ/ም ስዓት 8፡00 ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ

➢ ትካልና ነዚ ጨረታ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሓለወ