https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1877
ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ፅሬት መሳርሒ :ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት: ናይ መኪና ጎማ: ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ አቁሑት: ናይ ኮምፒተርን ኮምፒተር ተንከፍን አቁሑት :ናይ መኪና ፅገና አገልግሎት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 18, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጳጉሜን 4, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ክልተ ኣዉላዕሎ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጳጉሜን 4, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ፅገና ተሽከርካሪ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ሕጋዉያን ተጫረቲ

1 አብቲ ዝተጠቀሰ ዘፈር ንግዲ ሕጋዊ ናይ ኣቕርቦት ንግዲፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም ኮይኑ ናይ መኪና ፅገና ግልጋሎት ክትሳተፉ እትክእሉ ደረጃ 4ን ልዕሊኡን ክከዉን አለዎ

2 Â ብዘይካ ናይ ፅሬት መሳርሒ ኣብ ካልኦት ዝተጠቀሱ ዘፈራት ቫት ሰርትፍኬት ዘለኩምን ክትኮኑ ይግባእ ናይ ወርሓ ዲክላሬሽን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሓመለ መረዳእታ ክተቅርቡ ይግባእ

3 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤትÂ ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 19/12/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 4/13/ 2008 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 4/13/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 5:00 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

5 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 ንፅሬት መሳርሒ ብር 3000 ንመኪና መለዋወጢ አቁሑት ብር 5000 ንሞተር ሳይክል መለዋወጢ አቁሑት ብር 5000 Â ንኮምፒተርን ኮምፒተር ተንከፍ አቁሑት ብር 5000 ንናይ መኪና ጎማ ብር 5000 ንናይ መኪና ፅገና አገልግሎት ብር 5000 ብ CPO ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም::

6 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

7 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታት ይከአል: