https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18745
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መሰተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ካብ ዘለዉ ናይ ዘገልገሉ ንብረት ትቦ ብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሽይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 6, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 25, 2018 08:40 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ፍረወይኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ታሕሳስ 25, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መሰተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ካብ ዘለዉ ናይ ዘገልገሉ ንብረት ትቦ ብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሽይጥ ይደሊ።

1. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዋጋ ፖስታ ሽምን ፊርማን ከማልኡ ዝክእሉ እንተዘይኮይኑ ዘይነዋዳድር ምዃና

2. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ 10,000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ።

3. ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 200 ብር እናከፍልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ 6/04/2018 ዓ/ ም ክሳብ 24/04/2018 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ፍረ-ወይኒ ቁፅሪ 04 ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ምውሳድ ይከኣል።

4. ተጫረቲ ድሕሪ ምዕፃዉ ሳንዱቕ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይቡሉ ክፈልጥዎ ይግባእ።

5. ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዝገልፅ ዕሽግ ፖስታ ካብ ዕለት 6/04/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 24/04/2018 ዓ/ም ዘሎ ግዜ ንተኸታታልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ይኸውን።

6. ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 24/04/2018 ዓ/ም 8፡30 ድ/ሰዓት ኮይኑ ዕለት 24/04/2018ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ዝኸፈት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት ኮይኑ ግን ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ጨረታ ምኸፋት ሰነ ሰርዓት ብዘይምርካቦም ከይተከፈተ ኣይተርፍን።

7. ተወሳኺ መረዳእታ ኣብ ናይ መምርሒ ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር ምርኣይ ይካኣል።

8. ተጫረቲ ዘእተዉዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ቀፃላይ 30 መዓልቲ ዝፀንዕ ይኸውን።

9. ተጫረቲ ዝገዝእዎ ወይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፓርት ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መሰተ ማይ ከተማ ፍረወይኒ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሮም ወፃኢ ገይሮም ኣብ ወሽጢ 7 መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክወስዱ ኣለዎም። ኣብቲ ዝተገለፀ መዓልቲ እንተዘይወሲዶም ዘትሐዝዎ መኽበሪ ውዕሊ /ሲፒኦ/ ይውረሰ

10. ቤት ፅሕፈት ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. ንብረት ርክክብ ዝግብረሉ ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መሰተ ማይን ከተማ ፍረወይኒ ጥቃ ፓሊስ ቤት ፅሕፈት

12. ዝኮነ ኣካል ክወዳደድር ወይ ክጫረት ይኽእል።

13. ሰዓራይ ምስ ተገለፀ 10%ካብ ጠቕላላ ዝስዓሮ ናይ ንብረት ዋጋ ኣብ ውዕሊ መእሰሪ ከትሕዝ ዝኸእል

14. ኣብቲ ናይ ዋጋ መምልኢ/ መቐመጢ/ ዝኾነ ይኹን ስርዝ ድልዝ ክህሉ የብሉን እንተሃልይዎ ተቐባልነት የብሉን።