https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18731
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከባቢ ኣጂፕ ዝርከብ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ክፍቲ ቦታ ዝምልክቶም ትካላት ብምውድዳር ከካሪ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 3, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 15, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 15, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኽዝን/ ገዛ/ህንፃ ክራይ/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከባቢ ኣጂፕ ዝርከብ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ክፍቲ ቦታ ዝምልክቶም ትካላት ብምውድዳር ከካሪ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተወዳደርቲ ናብቲ ቦታ ብኣካል ብምኻድ ብዓይኖም ክርእይዎ ይግባእ፣

2. ናይ ሕድ ሕድ ግልጋሎት ነፀላ ወርሓዊ ኪራይ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወ ሰደቓ ክምላእ ኣለዎ።

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር30,000.00 (ብር ሰላሳ ሺሕ) ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ በቢ ዓመቱ ዝሕደስ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ቦታ ክርከብ ዝኸእል፣

5. ሰዓራይ ዝፍለ ናይ ሕድ ሕድ ግልጋሎት ከይኮነስ ናይ ሰለስቲኡ ዓይነት ግልጋሎት ወርሓዊ ኪራይ ድምር ውፅኢት ዝዓበየ ብምውሳድ እዩ፣

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይኸእሉ፡

7. ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤

8. እዚ ጨረታ ዕለት 15/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡

ዝርዝር ዓይነት ጨረታ

ዓይነት ቦታ/ ግልጋሎትመለክዒበዝሒጥቕል ዋጋመብርሂ
1ንመዕረፊ መኻይን (Parking) ዝውዕል (ኣስታት 100 ብ 100 ሜ.ካ ዝኾነ ቦታ)፡ብጥቕላል01
2መመዘኒ መኪና (ሓደ ጊዜ ሓንቲ መኪናክምዝን ዝኽእል ቦታ)ብጥቕላል01
3ንዕቀባ ንብረት (Store) (12 ብ 17 ሜ.ካ) ዝውዕል ገዛብጥቕላል01