
ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቁሑ መኪና ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ነዚ ዝስዕብ ሮቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡
2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 02/04/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ምውሳድ ይካኣል፡
3. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት07/04/2018 ስዓት 03፡30 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሽግ፡፡
4. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 07/04/2018 ስዓት 4፡00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡
5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
6. ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ከረክብ ዝኽእል።
7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።
9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 110 እዩ፡፡
10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡