
ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማለኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ፤ቓድ ዘለኩም፣ ቫት ከቕርቡ
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።
3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 19/03/2018 ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር ሓደ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ 2 ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ክፈልጥ ይግባእ።
6. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ ሽምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 19/03/2018 ዓ.ም እስካብ ዕለት 01/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣
7. ጨረታ ዕለት 01/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።
8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣
9. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ዘለው 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።
10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9* ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
12. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።