https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18568
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዝውዕሉ ላሚኔት ሕትመት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 17, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 24, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 24, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዝውዕሉ ላሚኔት ሕትመት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ቤት ሕትመት ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መስከረም ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ እቲ ዝድለ ሕትመት ከቅርብ ዝኽእል፣

7. አቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 24/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!