https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18532
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስን ሞተር ሳይክል ስፔር ፕሮፎርማ ብምልጣፍ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 11, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 16, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 16, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስን ሞተር ሳይክል ስፔር ፕሮፎርማ ብምልጣፍ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል ብምም

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/03/2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 2018 16/03/2018 ዓ/ም03፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 04፡00 ይኸፈት ፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ፡

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ።

ምስ ሰላምታ

0344-406747/0344-408501/0344-406839