https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18488
ማሕበር ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ብናይ ደገ ሒሳብ ክኢላ ከሰርሕ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 6, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 10, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 10, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኣካውንቲን ተዛማድኡን/ ኦዲት ተዛማድኡን/

ምልክታ ጨረታ ናይ ሒሳብ ክኢላ

ማሕበርና ማሕበር ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ኣዶ ካብ መስከረም 2016 ዓ.ም ብሽሙ ኣብ ባንኪ ወጋገን ኣካዉንት ከፊቱ ሒሳብ ምንቅስቓስ ጀምሩ ንእሽተይ ፀኒሑ ኣብ ባኒኪ ኣምበሳ 2 ኣካውንት ወሲኩ ኣብ ማእከል 2017ዓ.ም ድማ ኣብ ባንኪ ሕብረት 2 ኣካዉንት ብምክፋት ብጠቕላላ ኣብ 3 ባንኪ 6 ኣካውንት እናንቀሳቐሰ ይርከብ፡፡ ኣመራርሓ ቦርዲ ማሕበርና ብዝወሰኖ መሰረት ናይ ማሕበር ሒሳብ ብናይ ደገ ሒሳብ ክኢላ ከሰርሕ ስለዝደለየ ነዚ ስዒቡ ዘሎ መመዘኒ (ረቓሒ) ተማልኡ ናይ ሒሳብ ክኢላታት ክትወዳደሩ ይዕድም።

ረቛሓታት፡-

1. ሕጋዊ ፍቃድ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተረከበ

2. ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ

3. ኣብ ተመሳሳሊ ድርጅት ምስርሑ ከረጋግፅ ዝከእል

4. ብ peachtree Accounting ወይ ብተመሳሳሊ ሶፍትዌር backup ( ሶፍት ኮፒ) ከረክብ ዝክእል

5. ካብ መጀመርታ ክሳብ እቱ ዉዕሊ ዝተኣሰረሉ መዓል ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

6. ወጋ------------ብር

7. ናይቲ ጨረታ ዘቅረበ ዋጋ 10% CPO(ሲፒኦ) ከቀርብ ዝክእል

መመዝገቢ ግዜን ቦታን

ቦታ፡-ቀዳማይ ወያነ ዕዳጋ ማእከል፤ብሎክ ሀ፤ ደብሪ ፤ቢሮ ቁፅሪ 209

ግዜ፡ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀምሩ ንተከታታሊ 5 መዓልቲ ማለት ካብ 06/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 10/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫሪቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለወሉ ይክፈት፡፡

መተሓሳሰቢ፡- ትካልና ዘሐሽ መማረፂ እንተረክቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡