https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18477
ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምም/ርን ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ቀላምንጦሳት(ባህርዛፍ) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 12, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 12, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ጨረታ ቀላምንጦስ (ባህርዛፍ)

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምም/ርን ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ቀላምንጦሳት(ባህርዛፍ) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ንምዕዳግን ንምውድዳርን ድልየት ዘለኩም ኣካላትን ብኣካል መፂኹም ብምርኣይ ኣብቲ ዝተቐመጠ ናይ ጨረታ ዕለት ተሳተፍቲ ክትኾኑ ይዕድም።

ዝርዝር ናይቶም ዝረቱ ተላምንጦሳት ባህርዛፍ) ከምዝስዕብ ይከውን

ተዓይነት ዝጫረት ንብረትዝርዝር መግለፂመዕቀኒበዝሒጠቅላላ ዋጋመብርሂ
1ቀላምንጦስ(ባህርዛፍ)ብጣዕሚ ዓበይቲ ዘለውዎቁፅሪ09

ተጫረቲ ከማልኡዎን ክፍለጥዎን ዘለዎም ረቃሒታት

➢ ዝሽየጥ ቀላምንጦሳት (ባህርዛፍ) ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም ጉልበት ቀሪፆም ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ክወስዱ ዝክእሉ።

➢ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብነፃ ምውሳድ ይካኣል።

➢ ምልክታ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 05/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/03/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ስዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ከምትኽእሉ ብምሕባር ጨረታ ዕለት 12/03/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 12/03/2018 ዓ/ም ስዓት 4:00 ኣብ ዋና ኦዲተር ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት

➢ ተወዳደርቲ ሳዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ብደብዳቢ ተገሊዕልኩም ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ብናይ ባዕሉኹም ወፃኢ ኣብ ሓፂር ግዜ ቆሪፁኩም ክትልዕሉ ትክእሉ።

➢ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ብር 2000.00 ብሲፒኦ /ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ/ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

➢ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻ - ስ.ቁ 03424098791/0930096225/

ቀበሌ 03 ፋ/ኢ/ልምዓትን ቢሮ ዝነበረወይ ብድሕሪ ህንፃ ኦፕረሽን ኣግኣዚ/ምም/ር ዞባ መቐለ