
1 በቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ፍቃድ ዝሐደሱን ግብሪ ዝከፈሉን ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ሒሳብ ዝገበርሉ መረደእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
4 መለለይ ቁፅሪ ከፋልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል
5 ተጫረቲ ናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዩ መሳርሒ ፅሕፈት ኣቅሑት ፅሬት መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ሞተርሳይክልን ማለት እዉን እስፔር ፓርት ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ስራሕቲ ሕትመት ኢንዳስትሪያላዊ ናዉቲን በበዚፈሩ ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስብዓ እንደርታ ቢሮ ቁፅሪ F04 ምዉሳድ ይከኣል
6 ተጫረቲ ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት መለዋወጢ :ኣቅሑት መኪናን : ኢንዳስትሪያላዊ ናዉቲን : ንነብስወከፍ መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ጥራሕ ከትሕዙ ንኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ናይ ሕትመት ስራሕቲ መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ቢድቦንድ 3000 ቅርሺ በቢዘፈሩ ብናይ ስፒኦ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ወይ ክዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ
7 ሰነድ ጨረታ ካብ 5/3/2018 ዓም ጀሚርካ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ 22/3/2018 ዓም 4:00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት
8 ተጫረቲ ዋና ስነድ ጨረታ ኣብ ሐደ ፖስታ ቅዳሕ ሰነድ ጨረታ ኣብ ካሊእ ፖስታ ነንበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላል ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ዝክእሉ
9 ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫራቲ ሙሉእ ኣድራሽ ስም ፊርማ ማሕትምን ክህልዎ አለዎ
10 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 መእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400403