https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18457
ትካል ማእኸልኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናውቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 4, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 9, 2018 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 10, 2018 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

ዋኒኑ፣ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናዉቲ ብጨረታ ምዕዳግ ይምልከት

ትካል ማእኸልኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናውቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

1- ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

2- ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ 

3- ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ 

4- ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ይግባእ 

6- ናይ ጨረታ ሰነድ መዐደጊ 100.00 ብር ምዃኑ

* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

* ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ስፐስፊኬሽን ወፃእ ዝርብ ዓይነት ንብረት ተቀባልነት የብሉን

* ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት ኣይህልዎን

* ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ባዕሉ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ

* ጨረታ ብዝተረኸቡ ሰባት ይኸፈት

ኣድራሻ

*ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን

ጎኒ ኢሜግረሽን ፊት ንፊት ቤ/ፅ ፍርዲ ቤት ወረዳ እንደርታ

ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ

*ካብ ዕለት 04/03/2018 ዓ/ም ጀሚሩ 09/03/2018 ዓ/ም

ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት

ዕለት 10/003/2018 ስዓት 3ተ ናይ ረፋድ ይካየድ