https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18454
ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔር ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 3, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ -18, 1745 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 02/2018 ዓ/ም

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔር ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

■ በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም መረዳእታ ዘቕርቡ፣

■ ናይዚ ዘመን መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝኸእሉ፡

■ ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅሪ (Tax Identification Number) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

■ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 03/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 05/03/2018 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ (ፎቕ) ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን) ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኸተእትዉ ንዕድም፣

■ ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ፡፡

■ እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓለ ጊዜ እንተንኣሰ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ን7+ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፡፡

■ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ዓይነትን በዝሕን ኣቑሑት

ተ.ቁዝርዝር ንብረትመፍለይመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋመብርሂ
ብርሳን
1ኦይል ፊልተር90915-Yzz D4ቁፅሪ01
2ፊውል ፊልተር23390-64480ቁፅሪ01
3ኦይል ፊልተር9644885480ቁፅሪ01
5ኦይል ፊልተር90915-30002ቁፅሪ01
6ፊውል ፊልተር23390-51070ቁፅሪ01

ንተወሳኺ ሓበሬታ:- ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምም/ር) ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400009 ምሕታት ይከኣል።

መቐለ - ትግራይ - ኢትዮጵያ 0342-400009 ፋክስ/Fax 0344- 406736